STEPHEN H. SHUB PROFESSIONAL CORPORATION
BARRISTER, SOLICITOR, NOTARY
8 Toronto Area Law Offices Providing Legal Services in ONLY
Residential Real Estate, Title Insurance, Wills, Notary Services

Click for Locations & Maps
Click to Email Us
Tel:  (416) 222-1882
Fax: (416) 222-4277
Cell: (416) 520-6120
Incredible
Office Hours
Instant
Quotation
Testimonials FINTRAC *** HST *** Notary Services Home
Instant Quotation
About Us
8 Office Locations
Free Condo Status Review
Free Power of Attorney
Title Insurance
Existing Owner Title Insurance
First Time Home Buyers
Tax Credit
Electronic Registrations and
Choosing a Lawyer
Useful Forms and Offer Clauses
Principal Residence
Home Renovation Tax Credit
Land Transfer Tax: Ontario
Land Transfer Tax Refund: Ontario
Land Transfer Tax: City of Toronto
The Brick / Tasco
Notary Services
Closing Adjustments
GST Rebates: 3 Types When Buying From Builder
Mortgage Financing
RRSP Program
OHOSP: Ont. Savings Plan
TARION: New Home Warranty
Types Of Ownership
Insurance: 3 Types
SURVEYS: Are they required?
Utilities
Condo Rules
Condo Act Changes
Buying Condo from a
Builder: Watch out..
If you are selling...
If you are buying...
Key On Closing
Title Transfer
Moving Check List
Wills
Privacy Information
Copyright and Disclaimer
Contact Us/Comments
Top of Page
 
 

IF YOU ARE SELLING A RESIDENCE

 

መንበሪ ገዛ ክትሸይጥ እንተደሊኻ

ሀ) እቲ ክፍሊት ናባኻ ዝሓልፍ ድሕሪ ምዝዛም ናይቲ ውዕልን ስምምዕ ሰብ ሓዳርን ኢዩ
ኣብዚ ከተስተውዕልሉ ዝግባእ፡ እቲ መሸጣ ዝቕጽል ወግዓዊ (ሰርቲፋይድ) ቸክ ናብቲ ወናኒ ናይቲ ንብረት ኮይኑ ተመዝጊቡ ዘሎ ከባቢ ሰዓት 1 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ግዜ መዓልታት ስራሕ ምስተጻሕፈን ድሕሪ ምዕጻው መሸጣን ይካየድ። ከም ዓዳጊ መስርሕ መሸጣ ክሳብ ዝዛዘም ኣቐዲምካ ንደላሊ (ሪልተር) ዘትሓዝካዮ ገንዘብ ካብቲ ንደላሊ ዝኽፈል ኮምሽን ዝዓቢ ምስ ዝኸውን (ቀረጽ ወሲኽካ)፡ ዝኾነ ዝያዳ ዘትሓዝካዮ ገንዘብ ድሕሪ’ቲ ምዝዛም መሸጣ ብቀጥታ ካብቲ ደላላይ ናባኻ ይምለስ። ኣስተውዕል፡- እንተድኣ መስርሕ ምዝዛም መሸጣ ጠበቓ ዝሓወሰ ኮይኑ፡ እቲ ኣቐዲምካ ተትሕዞ ገንዘብ ናብቲ ምዝጉብ ወናኒ’ዩ ዝሓልፍ፡ ናብቲ ናይ ምጥባቕ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ኣካል ኣይኮነን።
እንተድኣ ክልተ ወይ ልዕሊኡ ሰባት ንብረት ክሸጡ ደልዮም፡ ቅድሚ ምዝዛም መሸጣ ውዕል እቲ ክፍሊት ናብ ሓደ ቸክ ድዩ ክጸሓፍ ዋላስ ናብ ዝተፈላለዩ ምዝጉባት ወነንቲ ብመልክዕ ጽሑፍ ምርግጋጽ ከድሊ’ዩ። እንተዘይኮይኑ፡ድሕሪ ምዝዛም መሸጣ ሓንቲ ወግዓዊት ቸክ ናይ ኩሉ መሸጣ ከባቢ ሰዓት 1 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ግዜ መዓልታት ስራሕ ናብ ኩሎም ምዝጉባት ወነንቲ ክትጸሓፍ’ያ። እንተድኣ ዝተፈላለየ ቸክ ንነፍስ-ወከፍ ወናኒ ክወሃብ ትመርጽ ኮይንካ፡ ቅድሚ ዝኾነ መምርሒ ንቤት ጽሕፈትና ምሃብካ ኣቐዲምካ ነጻ ሕጋዊ ምኽሪ ሓቲትካ ብከመይ እቲ ገንዘብ ከመቓቐል ትደልዮ ብጽሑፍ ሓብረና።
እንተድኣ ዋንነት ናይቲ ንብረት ኣብ ትሕቲ ሓደ ስም በዓል ሓዳር ተመዝጊቡ ኣሎ፡ እቲ ገዛ ግን ናይ ሰብ ሓዳር እንተኮይኑ፡ እቲ ሓደ በዓል ቤት (ከም ወናኒ ዘይተመዝገበ) ቅድሚ ምዝዛም መሸጣ ኣብ ቤት ጽሕፈትና ግድነት መጺኡ ብዛዕባ ፍጻመ መሸጣ ክሰማማዕ ኣለዎ (ኣብ ትግባረ ናይቲ ዕድጊ)። ብተወሳኺ ኩሉ ዝወሃብ ክፍሊት ናብታ ምዝግብቲ ወናኒት በዓልቲ ቤት ክወሃብ ከምዘለዎ ዝሕብር ብክታሙ ከረጋግጽ ኣለዎ (ኣብ ከምዚ ጉዳያት ቅድሚ ፌርማኻ ምንባር ኣቐዲምካ ነጻ ሕጋዊ ምኽሪ ክትሓትት ንምዕድ)፣ እንተዘይኮይኑ እቲ ጠቕላላ ክፍሊት ናብ ክልቲኦም ሰብ-ሓዳር ከምዝወሃብ ክግበር’ዩ ዋላ እቲ ሓደ በዓል-ቤት ምዝጉብ ወናኒ እንተዘይኮነ። እንተኾነ እዚ ሕጊ’ዚ ንናይ ሰብ ሓዳር ቤት ጥራሕ’ዩ ዝምልከት ንካልእ ብመልክዕ ወፍሪ ዝጥረ ንብረት ኣይምልከትን’ዩ፣ ኣብኡ ናይ በዓል ቤት ወይ በዓልቲ ቤት ስምምዕ ኣየድልን’ዩ።

ለ) ምስራዝ ውዕል ናይ ሓዊ ኢንሹራንስ፡ ልዕሊ 30 መዓልታት ነቲ ገዛ ጥርሑ ምግዳፉን
ካብ ቤት ጽሕፈትና ናይ መሸጣ መስርሕ ከምዝተዛዘመ መረጋገጺ ከይረኸብካ፡ ናይ ሓዊ ኢንሹራንስ ፖሊሲ ክትስርዝ ኣይትፈትን። እንተድኣ ነቲ ትሸጦ ዘለኻ ገዛ ቅድሚ ምዝዛም መሸጣ ልዕሊ 30 መዓልታት ጥርሑ ክትገድፎ ኮይንካ ወይ ክሳብ እቲ ምዝዛም መሸጣ ዝግበር፡ ነቲ ተወሳኺ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ንምሽፋን ምስታ መድሕን ሂባትካ ዘላ ናይ ኢንሹራንስ ትካል ተማኸር።
ሐ) ቅድሚ ምዝዛም ምስ ቤት ጽሕፈት ሕጊ ዝግበር ቆጸራ
ቅድሚ ክልተ መዓልታት ምዕጻው መሸጣ ውዕል ኣብ ቤት ጽሕፈትና መጺኻ መዕጸዊ ሰነዳት ምእንቲ ክትፍርም (ምሸት ወይ ሰዓታት ቀዳም)፡ ቤት-ጽሕፈትና ቆጸራ ንምሓዝ ክድውለልካ’ዩ። ሓደ መፍትሕ ናይቲ ትሸጦ ዘለኻ ንብረት ኣብ ቤት ጽሕፈትና ክትገድፍ ምዃንካ ፈሊጥካ ምጻእ። ኣብ ግዜ ምዕጻው መሸጣ ውዕል ንገብሮ ናይ ሰነዳት መሸጣ ፌርማ ርክብ፡ ቅድሚ ናብ ቤት-ጽሕፈትና ምእታውካ ንተቐባሊት ኣጋይሽና (ረሰብሺኒስት) ዕለቱ ዘይወደቐ ስእሊ ዘለዎ መንነት ወረቐት ኣርእያ። ቅዳሕ መንነትካ ኣብ መዝገብና ከም ሰነድ ክተሓዝ’ዩ። እዚ መስርሕ’ዚ ቅድሚ ምዝዛም ናይ ነፍስ-ወከፍ ኣብ ቤት-ጽሕፈትና ዝግበር መሸጣ ኣድላዪ ኢዩ
ፌርማኻ ከተንብር ኣጋ ምሸት ወይ ቀዳም ናብ ቤት ጽሕፈትና ትመጽእ እንተኮይንካ፡ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ጸገም እንተለካ ናይ ግድን ተርጓሚ ሒዝካ ክትመጽእ ኣለካ። እንተድኣ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ስሪዕ መዓልታት ስራሕ ተርጓሚ ክቕርበልካ ደሊኻ፡ ንምዕጻው መሸጣ ውዕል ቆጸራ ኣብ ትገብረሉ እዋን ከተረጋግጽ ወይ ክትሕብር ኣለካ። ሽዑ ናይ ቤት ጽሕፈትና ተርጓሚ ተቐሪቡ ክጸንሕ’ዩ። እንተዘይኮይኑ ባዕልኻ ተርጓሚ ክትቅርብ ኣለካ ወይ ድማ እቲ ናትካ ደላሊ ንምዕጻው ኣብ ዝግበር ቆጸራ ምሳኻ ኣብ ቤት ጽሕፈትና ክርከብ ይኽእል።
መ) ሓይሊ ጠበቓ ኣብ ግዜ ምዕጻው እንተድኣ ተጠቒምካ
እንተድኣ ምዝዛም መሸጣ ውዕል ብመንገዲ ሓይሊ ጠበቓ ካልእ ሰብ ኣብ ክንዳኻ ንሰነዳት ምዕጻው ዝፍርም ኮይኑ፡ ኩሉ ናይ መሸጣ ዝኽፈል ክፍሊት ናብቲ ዝተመዝገበ(ቡ) ወናኒ ጥራሕ’ዩ ክኸውን።
ዝኾነ ሓይሊ ጠበቓ ኣብ ግዜ ምዕጻው ምጥቃም ምስ ዘድሊ፡ ናይ ግድን ቅድሚ ምዕጻው ምቅርራብ የድሊ። ኣብዚ ጠውቕ ንነጻ ሓይሊ ጠበቓ

 

ሰ) ሸያጢ ኣብ ካናዳ ዘይቅመጥ ምስዝኸውን
ኣብ ግዜ ምዕጻው መሸጣ ውዕል ኣብ ካናዳ ዘይትቕመጥ ምስ ትኸውን ብዛዕባ ኣብ ካናዳ ንዘይነብሩ ዝግበር መስርሓት ንምዝታይ ንቤት ጽሕፈትና ተወከስ።
መ) ኣቑሑት፡ ከብል፡ ቲቪ ከምኡ ውን ዝርዝር ምጉዕዓዝ
ቅድሚ ምዕጻው ንኩሎም ዝምልከቶም ክፍልታት ግድነት ክትሕብርን ናይ መወዳእታ ንባብ ሜተር ከካይዱ ከተረጋግጽን ኣለካ። ዝኾነ ዝግበር ንባብ ሜተር ኣብ ዕለተ ምዝዛም መሸጣ’ዩ። ስለዚ ክትከፍሎ ዘለካ ሓላፍነት ናይ ተጠቃምነት (ዩቲሊቲ) ክሳብ ዕለተ ምዕጻው ዘሎ ግዜ ጥራሕ’ዩ።
እንተድኣ ንብረትካ ኣብ ከተማ ቶረንቶ ዝርከብ ኮይኑ ናይ ማይ ሜተር ከኣ ዘይብልካ እንተኮይንካ (ብምኽንያት ትጥቀመሉ ኣከፋፍላ፡ ሓደ ጥቑሉል ክፍሊት ኣብ ነፍስ-ወከፍ 6 ኣዋርሕ)፡ ቀልጢፍካ ብዛዕባ ትገብሮ ቅድመ-ክፍሊት ንቤት ጽሕፈትና ክትሕብር ኣለካ። ሽዑ ዘድሊ ምትዕርራይ ናይ ቅድመ-ክፍሊት ክግበር ይከኣል።
እንተድኣ ከብል ተለቪዥን ኣለካ፡ ትግዕዝ ከምዘለኻ ነታ ናይ ከብል ካምፓኒ ሓብራ። ናይ ተሌፎን ኣገልግሎት መዓስ ከምዝቑረጽ ውን መድብ።
እንተድኣ እቲ ትሸጦ ዘለኻ መንበሪ ብዘይቲ ዝውዒ (ዝመውቕ) ኔሩ፡ ብመልክዕ ጽሑፍ ቀልጢፍካ ሓብረና። ነቲ በርሚል ዘይቲ ንምምላእ ምቅርራብ ግበር፡ ኣብ ግዜ ዕለተ ምዕጻው ነቲ ዋጋ ንምኽፋሉ። ቅዳሕ ናይቲ ኣብ መወዳእታ ዝኸፈልካዮ ቅብሊት ኣብ መወዳእታ ምዕጻው ኣብ ትገብሮ ቅድመ-ምፍራም ንናይ ሕጊ ቤት ጽሕፈትና ኣረክቦ። ኣብ ግዜ ምዕጻው፡ ከምቲ ኣብ ምስትኽኻል ዝተሓበረ፡ ናይቲ ምሉእ በርሚል ዝመላእካዮ ዘይቲ ክረዲት ክወሃበካ’ዩ። እንተድኣ ምሉእ በርሚል እንተዘይገዲፍካዮ፡ ብዛዕባ ልክዕ ኣብቲ በርሚ ዘሎ ዘይቲ ኣብ ግዜ ምዕጻው ክርክር ክፈጥር ይኽእል’ዩ። ስለዚ ነቲ በርሚል ብምምላእ ካብ ዘየድሊ ክርክር ኣብ ግዜ ምዕጻው ምድሓን ይከኣል።
ሰ) ኣቐዲምካ ዝግበር ክፍሊት፡ ቅድሚ ምዕጻው ብመልክዕ ዕለቱ ዝቐደመ ቸክ (Postdated Cheques) ይኸውን
ኣስተውዕል፡- ዝኾነ ዝኽፈል ፕሮፐርቲ ታክስ (ግብሪ ንብረት)፡ ሓፈሻዊ ወጻኢ፡ ሞርገጅ ቅድሚ ምዕጻው መሸጣ ዕለተ ምኽፋሉ ዝኣኸለ እንተኮይኑ፡ ናይ ግድን ቅድሚ ምዕጻው ክኽፈል ክኽእል ኣለዎ። ዝኾነ ክግበር ዝግብኦ ምምዕርራያት ብመንገዲ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ግዜ ምዕጻው ክግበር ይከኣል፣ ኣቐዲሙ ዝተኸፍለ ክፍሊት ኪኖ ምዕጻው ዘሎ ግዜ ዝሓልፍ እንተኮይኑ ብቤት ጽሕፈትና ምትዕርራይ ይግበረሉ።
ጥንቃቐ ብዛዕባ ምስራዝ ብቐጥታ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ናይ ዝግበር ክፍሊት፡ ኣቐዲሙ ወግዓውነት ዝለበሰ ቸክ፡ ወይ ዕለቱ-ዝቐደመ ቸክ፡-  ነዞም ካብ ናትካ ሕሳብ ኣቐዲሞም ክኸፈሉ ኣቐዲምካ ምስ ባንክኻ ተሰማሚዕካሎም ዝነበርካ ቸካት (ከም ፕሮፐርቲ ታክስ ካልእ ሓፈሻዊ ወጻኢታት) ድሕሪ ምዕጻው መሸጣ ጠጠው ናይ ምባሎም ሓላፍነት ናባኻ’ዩ ዝወድቕ።
ሸ) ኣብ ግዜ መስርሕ ምዕጻው ቤት ጽሕፈት ሕጊ ዝደልዮም ሰነዳት
እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ብፋክስ ወይ ፖስታ ወይ ፎቶ ኮፒ (ብዘይ ዝኾነ ክሳራ ኣብ ቤት ጽሕፈትና ክግበር ይከኣል’ዩ) ናብ ቤት ጽሕፈትና ብዝቐልጠፈ ክትልእኮም ኣለካ። ስለዚ ንምዕጻው መሸጣ ቅድመ-ምቅርራብ ንምግባር ሓጋዚ’ዩ።

  1. ቅዳሕ ሰነድ-ስምምዕ (ክትገዝኦ ከለኻ ዝተረከብካዮ ሕጋዊ ናይ ዋንነት ሰነድ)
  2. ዝርዝር ናይ ዘለካ ሞርገጅ፡-
    1. ስም ናይ ሞርገጅ ካምፓኒ
    2. ኣድራሻን ቁጽሪ ስልክን
    3. መወከሲ ቁጽሪ መዝገብ ሞርገጅ (ዝምልከተካ እንተኮይኑ)
  3. ህሉው ናይዚ ዓመት ግብሪ ንብረት (ዝኾነ ቢል ናይ ህሉው ንብረት ግብሪ፡ መጻኢ ቢል ቅድሚ ምዕጻው)፡ ከምኡ ውን ዝኾነ ቅድሚ ዕለተ ምዕጻው ዝገበርካዮ ክፍሊት። (ጠቕላላ ቅድሚ-ዓመት ናይ ዝኸፈልካዮ ግብሪ ንብረት ከድልየና’ዩ)
  4. ቅዳሕ ቅየሳ (ሳርቨይ) (እቲ ንብረት ኮንዶሚንዩም እንተዘይኮይኑ)
  5. ድሕሪ ምዕጻው መሸጣ ኣከተመሓላልፎ ትደሊ ኣድራሻን መጻኢ ትጥቀመሉ ቁጽሪ ስልኪን (ቅሩብ እንተሎ)


-----------------------------------------
Free Instant Online Quotation
-----------------------------------------

 

IF YOU ARE BUYING A RESIDENCE

 

መንበሪ ገዛ ክትገዝእ እንተደሊኻ

ሀ) ትግዕዘሉ እዋን፡ ምርካብ መፍትሕ ኣብ ግዜ ምዕጻው
ቅድሚ ጠበቓ ንዓዳጊ ኣብ ዕለተ ምዕጻው መፍትሕ ምርካቡ፡ ኣለቃሒ ሞርገጅ መዕጸዊ ፋንድ(ገንዘብ) ናይ ግድን ክቕርብ ኣለዎ፣ ክኽፈሉ ዝተቐረቡ መዕጸዊ ቸካት ናይ ግድን ወግዓውያን (ሰርቲፋይድ)  ክኾኑ ኣለዎም። ሰነዳት ኣብ ሞንጎ ጠበቓ ሸያጥን ዓዳግን ናይ ግድን ምልውዋጥ ክግበር ኣለዎ፣ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ናይ ግድን ምሉእ ብምሉእ ምዝገባ መሬት ክገብር ኣለዎ። እዚ ኣብ ዕለተ ምዕጻው እናተገብረ እንከሎ፡ መፍትሕ ንዓዳጊ ክርከብ ይካኣል። ናይ ምርኽኻብ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ሰዓት 5 ናይ ምሸት ይኸውን። እንተድኣ ኣብ ዕለተ ምዕጻው ክትግዕዝ ኮይንካ ወይ ገለ ስርሓት ኣብቲ ዝዓደግካዮ ንብረት ንምግባር ክትውድብ እንተደሊኻ፡ ኣቐዲምካ ንኣጓዓዓዝቲ ኣብ ድሕሪ ቀትሪ ከባቢ ምሸት ክመጽኡ ሓብሮም፣ እዚ ካብ ዘየድሊ ወጻኢ ንምግባር የድሕነካ’ዩ ብፍላይ ብሰዓታት ንኣጓዓዓዝቲ ትኸፍሎም እንተኮይንካ።
እንተድኣ ናብ ኮንደሚንዩም ትግዕዝ ኮይንካ እሞ ከኣ ኢሊቨተር ክትጥቀም ትደሊ ኮይንካ፡ ኣቐዲምካ ቅድሚ ዕለተ ምዕጻው መሸጣ ንምምሕዳር ናይቲ ኮንደሚንዩም ብምሕባር ኢሊቨተር ሓዝ። ጉዳይ ምዕዳግ ሓደ መዓልቲ ቅድሚ ምግዓዝ ክዛዘም እንተኪእሉ ዝበለጸ’ዩ፣ እንተድኣ ኣብታ ምዕዳግ ዝተዛዘመላ ዕለት ክትግዕዝ ፈቲንካ ግን መፍትሕ ክሳብ ሰዓት 5 ናይ ምሸት ክትርከቦ ኣይክትእልን ኢኻ።
ለ) ሓዊን ትሕዝቶ መድሕንን (ኢንሹራንስ)
ንመንበሪ ገዛ ኣብ ዝግበር ዕድጊ (ኮንደሚንዩም ዘይኮነ)፡ ብዘይ ናይ ሓዊ ኢንሹራንስ ባይንደር፡ ማለት ቅድሚ ዕለተ-ምዕጻው ዕድጊ ኣቐዲሙ ናብ ጠበቓ ዓዳጊ ዝተዋህበ ሰነድ ክፍጸም ኣይክእልን። ነዚ ፈሊጡ ኣቐዲሙ ወኪል ኢንሹራንስ ነቲ ናይ ሓዊ ኢንሹራንስ ጥሙር ሰነድ ናብ ጠበቓ ብመንገዲ ፋክስ ክልእኮ ኣለዎ፡ እዚ ቅድሚ ምዕጻው ዝግበር ምትክካእ ዋጋ ውሕስነት ይህብ’ዩ (እንተድኣ ኮንደሚንዩም ዘይኮነ፡ ማለት መንበሪ ገዛ ትዕድግ እንተለኻ)።
እንተድኣ እቲ መንበሪ ኮንደሚንዩም ኮይኑ፡ ዋላ’ኳ ኮንደሚንዩም ኮርፖረሸን ናይ ብምሉኡ እቲ ፕሮጀክት ኢንሹራንስ እንተሃለዎ፡ ናይታ ንስኻ ትውንና ክፍሊ (ዩኒት) ኣብ ውሽጣ ዘሎ ትሕዝቶ ዋሕስ ንምርካብ ኢንሹራንስ ምሓዝ ከድለየካ’ዩ። እቲ ኢንሹራንስ ቅድሚ ዕለተ-ምዕጻው ዕድጊ ተዳልዩ ከምዘሎ ኣረጋግጽ፡ ሽዑ ኣብ ግዜ ዕለተ-ምዕጻው ብኡ ንብኡ ንጡፍ ይኸውን፣ ከምኡ ውን እዚ ኢንሹራንስ’ዚ ነቲ ንኮንደሚኑዩም ኮርፐረሽን ዝኽፈል ዲዳክቲብል (ንካይ) ክሽፍን ይኽእል። ኣብ ገለ ኩነታት፡ ገለ ኣለቃሕቲ ሞርገጅን ሃነጽቲን፡ ቅድሚ ናብቲ ኮንዶሚንዩም ወዲእካ ምእታው ናይቲ ኮንደሚንዩም ዩኒትን ኣብ ውሽጡ ዘሎ ትሕዝቶን ናይ ተሓታትነት (ሊያብሊቲ) ኢንሹራንስ ክትሕዝ ይደልዩ ኢዮም።
ሐ) ቅድሚ ምዕጻው ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕጊ ዝግበር ቆጸራን መዕጸዊ ቸካት
ቅድሚ ክልተ መዓልታት ዕለተ-ምዕጻው (ወይ ቤት ጽሕፈትና ነቲ ንምዕጻው ዝሕግዝ ሰነዳት ሕሳብ ምስ ዛዘሞ ማለት ካብ ጠበቓ ሸያጢ ንኣተዓጻጽዋ ዝምልከት መግለጺ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣለቃሒ ሞርገጅ ነቲ ኔት ሞርገጅ ፋንድ ኣረጋጊጹ ንምዕጻው ምስ ቀረቦ)፡ ቆጸራ ንምሓዝን ሰነዳት ምዕጻው ንምፍራምን ቤት ጽሕፈትና (ቤት ጽሕፈት ሕጊ) ክድውለልካ’ዩ። ኣብ ግዜ ምሸት ወይ ቀዳም ኦፊስና ክፉት ክንገብሮ ኢና። ቆጸራ ኣብ ትወሃበሉ እዋን ንምዕጻው ከተምጽኦም ዝግብኣካ ቸካት ክሕበረካ’ዩ። ንምዕጻው ዘድልዩ ቸካት ናይ ግድን ወግዓውያን (ሰርቲፋይድ) ቸክ ወይ ናይ ባንክ ድራፍት ናብ "S. SHUB, IN TRUST" ዝኽፈል፡ ብውሕዱ ቅድሚ 24 ሰዓታት ናይ ዕለተ-ምዕጻው ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕጊ ክርከብ ኣለዎ። እዚ ነቲ ክትገብሮ ደሊኻ ዘለኻ ዕድጊ ኣብ ዕለቱ ንክንዛዝሞ ክሕግዘና’ዩ። ካብ $500.00 ንላዕሊ ዝኸውን ጥረ-ገንዘብ ክንቅበል ኣይንኽእልን ምኽንያቱ ናይ ጥረ-ገንዘብ ዝግበር ምልውዋጥ ውሕስነት ስለዘይብልና። ነቲ ሰነዳት ምዕጻው፡ ዝተገብረ ኩሉ ምምዕርራያት ምዕጻውን ካልእ ወጻኢታትን ክትፍርም ኣብ ዝተረኸብካሉ እዋን፡ ንኩሉ ሰነዳት ምሉእ ብምሉእ ምሳኻ ኮይና ክንርእዮ ኢና።
ኣስተውዕል፡- ዋላ’ኳ እቲ ንብረት ኣብ ትሕቲ ሓደ በዓል ቤት ተመዝጊቡ እንተሃለወ፡ እንተድኣ ምርዑው ኮይንካ ከምኡ’ውን እቲ ዝዕደግ ዘሎ ገዛ ቀንዲ መንበሪ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ኣብ ግዜ ምፍርራም ሰነዳት ክርከቡ ኣለዎም።
ኣስተውዕል፡- ኣብ ግዜ ምዕጻው ውዕል ንገብሮ ናይ ሰነዳት መሸጣ ፌርማ ርክብ፡ ቅድሚ ናብ ቤት-ጽሕፈትና ምእታውካ ንተቐባሊት ኣጋይሽና (ረሰብሺኒስት) ዕለቱ ዘይወደቐ ስእሊ ዘለዎ መንነት ወረቐት፡ ፓስፖርት፡ ፍቓድ መዘወሪ መኪና፡ ሶሻል ኢንሹራንስ ካርድ ኣርእያ። ቅዳሕ መንነትካ ኣብ መዝገብና ከም ሰነድ ክተሓዝ’ዩ። እዚ መስርሕ’ዚ ቅድሚ ምዝዛም ናይ ነፍስ-ወከፍ ኣብ ቤት-ጽሕፈትና ዝግበር ምልውዋጥ ኣድላዪ ኢዩ። እንተድኣ ሓደ ካብ ክፍርሙ ዝግብኦም ሰባት ኣብ ግዜ ምዕጻው ክርከብ ዘይክእል ኮይኑ፡ ናይ ግድን ኣቐዲምካ ሓይሊ ጠበቓ (ፓወር ኦፍ ኣቶርኒ) ክትምድብ ኣለካ።
መ) ኣብ ግዜ ምዕጻው ዝግበር ምስትኽኻል (ምትዕርራይ) ዋጋ
ኣብ ግዜ ምዕጻው ከተምጽኦ እትሕተት ወግዓዊ (ሰርቲፋይድ) ቸክ ንዝተገበረ ናይ ዋጋ ምስትኽኻል ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ኣለዎ። ብመሰረት ኣብ ናይ ምዕዳግን ምሻጥን ስምምዕ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ነቲ ዘይተኸፍለ ሚዛን ድሕሪ’ቲ ልሙድ ክግበር ዝግብኦ ምስትኽኻል ዋጋ ኣብ ግዜ ምዕጻው ብሰርቲፋይድ ቸክ ይኽፈል። ኣብ ሓደ ዳግማይ ዝሽየጥ ዘሎ ገዛ፡ ምምዕርራይ ዋጋ ንኣቐዲሞም ብሸያጢ ዝተኸፍሉ ማለት ኪኖ ዕለተ ምዕጻው ዝኸይድ የእቱ። ምኽንያቱ’ዚ ነቲ ዓዳጊ ድሕሪ ምዕጻው ጠቓሚ ስለዝኾነ፡ እቲ ሸያጢ ኣብ ግዜ ምዕጻው ክረዲት (ረብሓ) ክወሃቦ ኣለዎ። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ ናይ ርያልቲ (ንብረት) ግብሪ፡ ኣቐዲሞም ዝተኸፍሉ ናይ ኮንደሚንዩም ክፍሊት (ዝተገዝአ ንብረት ኮንደሚንዩም እንተኮይኑ)፡ ከምኡ’ውን ነዳዲ ዘይቲ (እንተድኣ እቲ ገዛ ናይ ዘይቲ ፈርነስ ኣለዎ ኮይኑ)። ሓድሽ ገዛ ካብ ሰራሒኡ እንተገዚእካ ግን ኣብ ግዜ ምዕጻው ዝግበር ምምዕርራይ (ምስትኽኻል) ዋጋ ዝዓበየ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ገዛ ዝትከል ናይ ኤለክትሪክን ማይን መዐቀኒ ሜተር ዋጋ፡ ናይ ኦንታርይ ውሕስነት ሓድሽ ገዛ ኣባልነት ክፍሊትን ከምኡ’ውን ካልኦት ብዙሓት ነገራት ኣብቲ ካልእ ዳግማይ ዝሽየጥ ንብረት ዘየለ ነገራት ምስትኽኻል የእቱ።
ሰ) መዋሊ (ፋይናንሲን) ሞርገጅ
ኣስተውዕል፡- ውሑስ (ኢንሹሩድ) ሞርገጅ ትጥቀም እንተኮይንካ (ኣቐዲምካ ተሕልፎ ክፍሊት ትሕቲ 20% ናይቲ ጠቕላላ ዋጋ ምስ ዝኸውን)፡ ኣለቃሒ ሞርገጅ ዝተወሰነ ዋጋ ካብቲ ሞርገጅ ከጉድል ይኽእል። ኣለቃሒ ሞርገጅ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ዋጋ ከምዘጉድል ኣረጋግጽ። (ንኣብነት፡ንሞርገጅ ኢንሹራንስ ፕረሚዩም ዝኽፈል 8% ኣውራጃዊ ቀረጽ፡ ገምጋም (ኣፕረይዛል) ክፍሊት፡ ግብሪ ንብረት፡ ትሕጃ ወይ ወለድ ምትዕርራይ እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ)። እንተድኣ ብሓይሊ ጠበቓ እቲ ናይ ዕድጊ መስርሕ ዝዕጾ ኮይኑ፡ ካብ ኣለቃሒ ሞርገጅ ሓይሊ ጠበቓ ክጥቀም ምዃኑ ዝገልጽ ኣቐዲሙ ዝጸደቐ ጽሑፍ ክርከብ ኣለዎ፣ ነቲ ዘድሊ ቅጥዕታት ናይ ‘ነጻ ሓይሊ ጠበቓ’ ገጽ ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ’ዚ ዘሎ ናይ ግድን ዘዕግብ ክኸውን ኣለዎ።
ነቲ ናይ ዕድጊ መስርሕ ንምዝዛሙ ሞረገጅ ዝምውለካ ኣካል ናይ ምርካብ ሓላፍነት ናባኻ’ዩ ዝወድቕ። ሓንሳብ ንመስርሕ ሞርገጅ መስርዑ ምስ ኣትሓዝካዮ፡ ነዚ ዝስዕብ ከተማልእ ሓላፍነት ኣለካ፡-

  1. ንዝኾነ ኣብ ግዜ ምዕጻው ከጋጥም ዝኽእል ገንዘባዊ ጸገማት ንምውጋድ፡ ኣለቃሒ ዝደልዮም ፍሉያት ጠለባት ምዕጋብ (ንኣብነት፡- መረጋገጺ እቶት፡ መረጋገጺ ኣቐዲሙ ናይ ዝተገብረ ገንዘባዊ ክፍሊት (ዳውንፐይመንት)፡ ዝነበረካ ካልእ ዕዳታት ከምዝኸፈልካ ዘረጋግጽ ምናልባት ብኪእላ ሞርገጅ ዝሕትተ እንተኮይኑ።)
  2. ናይ ዕድጊ ምዕጻው ንምግባር ናይ ሞርገጅ መምርሒታት ናብ ቤት-ጽሕፈትና ተላኢኹ ከምዘሎ ንኣለቃሒ ሞረገጅ ኣረጋግጸሉ።

ሸ) ካብ ኣዕሩኽን ኣዝማድን ዝርከብ ዘይወግዓዊ ለቓሕ
እንተድኣ ካብ ኣዕሩኽ ወይ ኣዝማድ (ብዘይወግዓዊ መንገዲ) ነቲ ዕድጊ ንምዝዛም ገንዘብ ክትልቃሕ መደብ ኣለካ፡ ንዝኾነ ኣብ መጻኢ ከጋጥም ዝኽእል ዘይምርድዳእ ንምውጋድ ስምምዕካ ኣቐዲምካ ብመልክዕ ጽሑፍ ክትገብሮ ኣለካ። እቲ ገንዘብ ካብቲ ዝተዓደገ ንብረት ብምፍላይ ክምዝገብ ክኽእል ኣለዎ። ዝኾነ ኣለቃሒ ገንዘብ ከለቅሕ እንከሎ ነጻ ኣማኻሪ ሕጊ ክገብር ኣለዎ።
ረ) እንተድኣ መዕጸዊ ገንዘብ ብሓደ ካብቶም ጽምዲ ዝቕረብ ኮይኑ
እንተድኣ ሓደ ካብቶም ጽምዲ ንመዐደጊ ዝኸውን ዝያዳ ገንዘብ ኣቐዲሙ የሕሊፉ (ዝያዳ መጻምድቱ)፡ እቲ ሓደ መጻምድቲ ገንዘብ የበርክት ኣየበርክት ኣብቲ ኣርእስቲ ክምዝገብ’ዩ። ንቤት ጽሕፈትና ብመልክዕ ጽሑፍ ክልተኣዊ ስምምዕ ወረቐት (ዋጋ $50) ከዳልወልካ ሕተት፣ ነፍስ-ወከፍ ኣካል ነጻ ዝኾነ ሕጋዊ ምኽሪ ክረክብ ከኣ ይማዓድ።
ፈ) ናይ ዋንነት ምዝገባ ስም
ብከመይ ኣርእስቲ (ስም) እቲ ንብረት ክምዝገበልካ ከምእትደሊ ምኽርኻ ለግሰልና። ኣብ ግዜ ምዝገባ ሰነድ መሬት ቀዳማይ ስምካ ጥራሕ ክትጥቀም ከምዘይትኽእል ኣስተውዕል። ዕለተ-ልደት ናይ ነፍስ-ወከፍ ኣብ ኣርእስቲ ዓዳጊ ምምዝጋብ ከድሊ’ዩ።
ካልእ ከተስተውዕለሉ ዘለካ፡ ዋላ እቲ ዝተዓደገ ገዛ ኣብ ትሕቲ ሓደ ስም (ካብ ሰብ ሓዳር) ይመዝገብ፡ ምርዕዋት እንተኮይኖም እሞ ከኣ እቲ ዝተዓደገ ገዛ ቀንዲ ዝነብርሉ መንበሪ ምስዝኸውን፡ ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ኣብ ግዜ ምዕጻው ሰነዳት ክታሞሞ ከንብሩ ክርከቡ ኣለዎም።
ኣርእስቲ መዝገብ ዓደግቲ “ጥምረት ተኻረይቲ” ("joint tenants" ) ዝብል ምስ ዝኸውን፡ ሓደ ካብ ወነንቲ ከኣ ምስ ዝመውት፡ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ ብቐጥታ ወናኒ ናይቲ ንብረት ይኸውን፣ ኣብ ግዜ ለበዋ-ውርሻ (ዊልስ) ዝተባህለ ይበሃል ብዘየገድስ። እዚ ንወነንቲ ሰብ ሓዳር ዝወሃብ ልሙድ ኣገባብ ኣርእስቲ’ዩ። እንተድኣ ኣርእስቲ መዝገብ ‘ተኻረይቲ ብሓባር’ ("tenants in common" ) ዝብል ኮይኑ ግን እሞ ከኣ ሓደ ካብ ወነንቲ ምስ ዝመውት፡ ብጽሒት ናይቲ መዋቲ ኣብ ግዜ ለበዋ-ውርሻ ናይ ዝጠቐሶ ተጠቃሚ ክሓልፍ ይኽእል።
እንተድኣ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ኣብ ኣርእስቲ መዝገብ ዋንነት ሰፊሮም ኣለዉ (ምርዕዋት ዘይኮኑ ጽምዲ)፡ እሞ ከኣ ሓደ ካብኦም ጥራሕ ንኩሉ ዝሽፍን ወይ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ዝድለ ዘሎ ገንዘብ መግዝኢ ዝሽፍን ኮይኑ፡ ሓደ ፍሉይ ዝኾነ ስምምዕ ብጽሑፍ ምግባር ኣገዳሲ’ዩ። እዚ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዘለካ ብጽሒት ክስዕብ ዝኽእል ዘየድሊ ዘይምርድዳእ፡ ብተወሳኺ ንክህልወካ ዝኽእል ግዴታታት ማለት ወርሓዊ ወጻኢታት፡ ከምኡ ውን ኣብ መወዳእታ እቲ ንብረት ክሽየጥ እንከሎ ክዕደለካ ዘለዎ ብጽሒት ክፍጠር ንዝኽእል ዘይምርድዳእ ንምውጋድ የኽእል። እንተድኣ ነዚ ዝምልከት ስምምዕ ከነዳልወልካ ትደሊ ኮይንካ፡ ኣብ ግዜ ምዕጻው ዕድጊ ሰነዳት ኣብ ትፍርመሉ እዋን ሓብረና (ንሓቶ ዋጋ $50.00)። ቅድሚ ናብ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ምእታው ግን፡ ክልቲኦም ሰብ ጉዳይ ነጻ ሕጋዊ ምኽሪ ክሓቱ ንመክር።
ቀ) ኣርእስቲ (ስም) መድሕን (ኢንሹራንስ)
ንኩሎም ዓደግቲ ክንመኽሮ ንደሊ ነገር እንተሎ ናይ ኣርእስቲ (ስም) ኢንሹራንስ ፖሊሲ ምግዛእ’ዩ። እዚ ፖሊሲ’ዚ ንዝኾነ ክግበር ዝኽእል ናይ ኣርእስቲ ጌጋታት፡ ጉዳይ ቅየሳ፡ ትሕጃ፡ ናይ ስራሕ ትእዛዝ፡ ተምያን (ምትላል)፡ ምስናዕ ወዘተ ይከላኸል። እዚ ፕላቲኑም ታይትል ኢንሹራንስ ፖሊሲ ድማ ብኩባንያ ፈርስት ካናድያን ታይትል ኢንሹራንስ ይወሃብ። ድሕሪ ምዕጻው ዕድጊ እቲ ኣርእስቲ (ታይትል) ፖሊሲ ምስተኣዘዘ ናባኻ ክለኣኽ’ዩ። ክሳብ ናይቲ ንብረት (ገዛ) ወናኒ ዝኾንካ መድሕንካ ንምሉእ ግዜ ክህሉ’ዩ፣ ውሑድ ዓመት ተቐመጥ ብዙሕ ብዘየገድስ ክሳብ መወዳእታ ውሕስነት (ኢንሹራንስ) ክህልወካ’ዩ። እንተድኣ ኣርእስቲ (ታይትል) ኢንሹራንስ ክትእዝዝ ዘይትደሊ ኮይንካ ግን ብውሕዱ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ምዕጻው ዕድጊ ንቤት ጽሕፈትና ናይ ግድን ሓብር።
ቐ) ካብ ሃናጺ (ሰራሒ) ምስ ትዕድግ
ካብ ሃናጺ(ሰራሒ) ሓድሽ ገዛ እንተገዚእካ፡ ቅድሚ ምዕጻው ዕድጊ ኣብቲ ቦታ ተረኺብካ እቲ ሃናጺ ከማልኦ ዝግባእ ዝርዝር ነገራት እንተሎ ተኸታተል። ከምኡ ዓይነት ምክትታል ክትገብር ምስ እትደሊ ኣቐዲምካ ምስ ወኪል ሃናጺ (ሰራሒ) ቆጸራ ሓዝ። ሽዑ ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይ ዋንነትን ምዝዛምን ሰርቲፍኬት መሊእካ ትገድፎ፣ እቲ ሰርቲፍኬት ከኣ በቲ ሃናጺ (ሰራሒ) ናብ ታርዮን ዋራንቲ ፕሮግራም ይርከብ። ኩሎም ዘይተዛዘሙ ነገራት ኣመልክት። ናይ ውሕስነት (ዋራንቲ) ሰርትፍኬት ክትቅበል ኢኻ፡ ናባና ከኣ ቅድሚ ምዕጻው ዕድጊ ቅዳሕ ናይቲ ሰርትፍኬት ልኣኽ።
ከም ሓደ ሓድሽ ዝተሃንጸ ገዛ ዝገዛእካ ንውሕስነት ፕሮግራም ዝምልከት ዝተፈላለየ መሰላት ኣለካ፣ ብፍላይ ንኩነተ ምዝዛሙን ክግበር ዝግብኦ ምትዕርራይ ብመሰረት ኣቐዲሙ ንምህናጹ ዝተኣመመ ነገራትን። ነብስኻ ምስዚ ጉዳይ ንምልላይን ብዛዕባ መሰልካን ኣገባቡን ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ክንደይ ግዜ ግድነት ክገብርዎ ከምዘለዎም ዘገድድ ነገራት ኣፍልጦኻ ንምዕባይ ኣብ መርበብ ሓበሬታ www.tarion.com ወይ ኣብ ኣድራሻ ተወከስ፡- 5150 Yonge St., concourse level, Toronto, Ontario, M2N 6L8 (corner of Yonge Street and Park Home) Tel. 1-800-668-0124.     
ተ) ኣገልግሎት (ዩቲሊቲስ)፡ ከብል ቲቪን ዝርዝር ምግዓዝን
ኣስተውዕል፡- መብዛሕትኦም ክፍልታት ሃይድሮ (ወይ ኣገልግሎት ቸክ ሜተር) ብዛዕባ ዓዳጊ ዝምልከት ሓበሬታን ናይ ኤለክትሪክ መዐቀኒ ሜተር ኣብ ግዜ ምዕጻው ንምንባብ ብጠበቓ ዝጻሓፍ ደብዳበን ኣይቅበልዎን’ዮም። ስለዚ እቲ ሸያጢ ክሳብ ግዜ ምዕጻው፡ እቲ ዓዳጊ ድማ ድሕሪ መዓልቲ ምዕጻው ቢል ክለኣኾም’ዩ።  ዋላ’ኳ ቤት-ጽሕፈትና ንገለ ክፍልታት መዐቀኒ ሜተር ከንብቡ ምልክታ ክሰድድ እንተኾነ፡ ንስኻ ከም ዓዳጊ ናይ ግድን እቲ ንባብ ክግበር ክትረኽቦም ኣለካ። ዝኾነ ዝግበር ናይ ሜተር ንባብ ድሕሪ ምዝዛም ዕድጊ’ዩ፣ ስለዚ ናይ ምኽፋል ሓላፍነትካ ንናይ ተጠቃምነት (ዩቲሊቲ) ሕሳብ ድሕሪ ዕለተ-ምዕጻው ዕድጊ ጥራሕ’ዩ። ቁጽሪ ስልኪ ናይ መብዛሕትአን ኣብ ከባቢ ቶረንቶ ዝርከባ ኣገልግሎት ማይ፡ ሃይድሮ፡ ጋዝ ኣብ ወብሳይትና ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቕ ("UTILITIES")
እንተድኣ ናይ ከብል ተለቪዥን ኣለካ፡ ብዛዕባ ምግዓዝካ ነታ ኣገልግሎት ትህበካ ኩባንያ ሓብር። ናይ ቴሌፎን ኣገልግሎት ኣብ ገዛኻ ንምእታው’ውን ናይ ግድን ንወሃብቲ ኣገልግሎት ክትውከስ ኣለካ።
እንተድኣ ናይ ማይ ቀረብ ናይቲ ዝገዛእካዮ ገዛ ካብ ዒላ (ካብ ኣገልግሎት ማይ ከተማ እንተዘይኮይኑ)፡ ብዛዕባ ጽሬቱን ጥዕንኡን ዝምልከት ሓበሬታ ካብ ክፍሊ ጥዕና (416-235-5952) ናይ ምርካብ ሓላፍነትካ’ዩ። ኣብ ዝዓደግካዮ ቦታ ከይድካ፡ መርኣዪ ኣብነት ዝኸውን ቅሩብ ማይ ወሲድካ ናብ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ክፍሊ ጥዕና ብምውሳድ ካብ ዝኾነ ብከላ ነጻ ምዃኑ ኣረጋግጽ።
ንዝርዝር መጎዓዓዚ ሓበሬታ ካብ ወብሳይትና ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ (MOVING CHECK LIST)

  1. ኮንደሚንዩም ትገዝእ እንተኮይንካ
    1. ሕግታት ኮንደሚንዩም

እዚ ብዛዕባ ንብዙሓት ኮንደሚንዩም ክጸሉ ዝኽእል ሕግታት መጠንቀቕታ’ዩ። እንተድኣ ናይቲ ዝገዛእካዮ ኮንደሚንዩም ብኮንደሚንዩም ኮርፐረሽን ዝተቐመጠ ሕግታት ግንዛበ ክህልወካ ደሊኻ፡ ተቐላጢፍካ ንምምሕዳር ናይቲ ንብረት ተወከስ።
ገለ ካብቶም ሕግታት ከምዚ ዝስዕብ ይመስሉ፡-

  1. ድምጺ ንምጉዳል ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይቲ ህንጻ መንጸፍ (ካርፐት) ምግባር፣ ወይ ዕንጸይቲ ጣውላ ምንጻፍ (እንተድኣ ምምሕዳር ናይቲ ኮንደሚንዩም ብጽሑፍ ተሰማሚዑ)
  2. ኣብ ባልኮኒ (ቨረንዳ) ባርበኪዩ ዘይምግባር
  3. ሳትላይት ዲሽ ዘይምትካል (ናይ ሓባር ከብል ተለቪዥን ሲስተም ምጥቃም)
  4. ናይ ንግድ ወይ ምዝንጋዕ መኪና ዘይምዕሻግ (ፓርክ ዘይምግባር)
  5. ኣብ ግዜ ምግዓዝ ኣጠቓቕማ ኢሊቨተር፡ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ዝተወሰነ ሰዓታት ምጥቃም ኣይፍቀድን፡ ኣቐዲምካ ምሕባር ወይ ኣቐዲምካ ትሕጃ ምቕማጥ የድሊ። ኮንደሚንዩም እንተገዚእካ፡ ኣቑሑትካ ንምግዕዓዝ ከኣ ኢሊቨተር ክትጥቀም እንተኮይንካ ቀልጢፍካ ምስ ምምሕዳር ብምዝርራብ ግዜ ሕዛእ (ሪዘርቭ ግበር)።
  6. ኣብ ውሽጢ ኮንደሚንዩም ቤት ጽሕፈት፡ ቢዝነስ ወይ ካልእ ንግዳዊ ስራሕ ኣይፍቀድን።
  7. ገደብ እንስሳ ዘቤት (ፐት)፡ ዓይነት ክትሕዞም ትደሊ እንስሳ፡ ብዝሒን ጠቅላላ ክግደትን።
  8. ዓይነትን ሕብርን መሸፈኒ ፍኒስትራታት፡ (ጻዕዳ ወይ ውጹእ ጻዕዳ) ብማዕዶ ብደገ ክርአ ዝኽእል
  9. ኣትክልትን ኣጠቓቕማ ግዳማዊ ኮረድዮን (ፓትዮ)
  10. ተሓታትነት ናይ ዝበላሾ ግዳማዊ ማዕጾ ናይ ትውንኖ ዩኒት ከም ማዕጾ ጋራጅ ወይ ካልእ ተወሳኺ መእተዊ ንፋስ፡ ናይ ሓዊ ቦታ ወዘተ
  11. ብመሳርሒ ሙዚቃ ክፍጠር ዝኽእል ድምጺ
  12. ገደብ ንሓጺር ግዜ ምክራይን ካልእ ንክራይ ዘድሊ ቅጥዕታትን ንነዊሕ ከተካርዮ መደብ እንተለካ።                                         

እንተድኣ በዚ ውሱን ሕግታት ኮንደሚንዩም ዘይትቕየድ ኮይንካ፡ እታ ኮርፐረሽን ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ክትከፍል ከተገድደካ ምሉእ መሰል ኣለዋ። እንተድኣ ትካረ ኮይንካ፡ በቲ ንተኻረይቲ ዝምልከት ቅጥዒ-ስምምዕ ንኡስ-ሕግታት ኮንደሚንዮም ኮርፐረሽን ተቐይድካ ክትከይድ ኣለካ።                                                                      

  1. ሓፈሻዊ ከባቢን ውሽጣውን ኮንደሚንዩም ምልዋጥ

ኮንደሚንዩም ኣክት ኦንታርዮ፡ ብዘይፍቓድ ዳይረክተራት ቦርድ ከምኡ’ውን ዓብላሊ ስምምዕ ነቲ ዩኒት ዝውንኑ ሰባት ኣብ ንቡር ስፍሓት ወይ ልሙድ ኣጠቓቕማ ናይቲ ዩኒት ምልውዋጥ ክግበር ኣየፍቅድን። ማዕረ-ማዕሪኡ፡ እንተድኣ ኣብቲ ልሙድ ስፍሓት ወይ ናትካ ዩኒት ኣብ ኣሰዃኽዓ ማእከላይ መዝሓሊ (ኣየር ኮንድሽን)፡ ኣተሃናንጻ ባይታ (ደክ)፡ ጀርዲን ወይ ሓጹር፡ ወይ ባልኮኒ ገለ ለውጢ ሪእኻ፡ ቅድሚ ምዕጻው-ዕድጊ ብቐጥታ ምስ ምምሕዳር ናይቲ ኮንደሚንዩም ብምርኻብ ዝተገብረ ለውጢ ኣቐዲሙ ብዝተፈጸመ ስምምዕ ድዩ ወይ ካብ መጀመርታ እቲ ሃናጺ ብከምኡ ሰሪሕዎ ኣረጋግጽ። ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ እንተድኣ ኣብቲ ዩኒት ገለ ግዳማዊ ለውጢ ክትገብር ደሊኻ ብመጀመርታ ስምምዕ ናይ ዳይረክታራት ቦርድ ከምኡ’ውን ብመሰረት ኮንደሚንዩም ኣክት ናይ ካልኦት ወነንቲ ስምምዕ ክትረክብ ኣለካ። እንተድኣ ትዕድገሉ ዘለኻ ሰብ ወይ ቅድሜኻ ነቲ ዩኒት ዝውንኖ ዝነበረ ሰብ ዘይፍቑድ ምቅይያራት ጌሩን ኣይገበረን ንምቁጽጻር፡ ብቐጥታ ንምምሕዳር ኮንደሚንዩም ብምውካስ ቁጽጽር ክገብሩልካ ሕተት።
እንተድኣ እቲ ዝሸጠልካ ሰብ፡ ውሽጣዊ ምቅይያር ናይቲ ዩኒት ወይ ሓፈሻዊ ስፍሓት ጌሩ ኮይኑ፡ ዝተገብረ ለውጢ ብምምሕዳር ጸዲቑን ኣይጸደቐን ንምፍላጥ ንምምሕዳር ሕተት። ከም ዓዳጊ ዝኾነ ምልውዋጥ ክትገብር ምስ እትደሊ ናይ ግድን ብጽሑፍ ዝጸደቐ ስምምዕ ካብ ምምሕዳር ርኸብ።
ቸ) ለበዋ-ውርሻ (ዊልስ)
ቀዋሚ ንብረት ትገዝእ ከምዘለኻ መጠን፡ ንብረትካ ናብ መን ከም ተውርሶ ዝገልጽ ለበዋ-ውርሻ (ዊልስ) ንምስፋር ምቅርራብ ምግባር ጽቡቕ’ዩ። ምድንጓይ ናይ ውርሻ ለበዋ ምግባር ልሙድ’ዩ፣ እንተኾነ ሕጂ ትገብራ ንእሽተይ ተወሳኺ ወጻኢ ማለት ንነፍስ-ወከፍ ሰብ $75.00 (ጽምዲ እንተኮይኖም) ወይ $88.00 (ንውልቁ እንተኮይኑ)፡ ካብቲ ብዘይ ናይ ውርሻ ለበዋ (ዊልስ) ንብረትካ ንምምሕዳሩ ዝሓተካ ዋጋ ብምዝማድ፡ ኣዝዩ ንኡስ’ዩ። ንዝያዳ ሓበሬታን ዋጋን ውርሻ ለበዋ ኣብ ወብሳይትና (WILLS) ተወከስ ወይ ናብ ቤት ጽሕፈትና 416-222-1882 ደውል።                                                                                                                                                                                                                                                                                                      

-----------------------------------------
Free Instant Online Quotation
-----------------------------------------

 

 

Stephen H. Shub, LL.B. Barrister, Solicitor

5799 Yonge St. #803, Toronto, Ontario Canada M2M 3V3

Tel. (416)222-1882 * Fax (416)222-4277* Cell (416)520-6120

Email: quote@homelegalcost.com

Copyright © 2012 Stephen H. Shub